“ተጋሩ ኣጆኹም በይንኹም ኣይኮንኩምን ዘለኹም” ጆሴፍ ቦረል

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣባል ሓያላን ሃገራት ጉጅለ-7፣ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓን ትካል ረዲኤት ኣሜሪካ “USAID”ን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ኩነታት ዓይኖም ቋሕ ኣቢሎም ንዓለም ኣብ ዘቃልሕሉ ፅባሕ ከምዝበፅሐ ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን ፀጥታን ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል ኣብ ቲዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ከምኡ እውን ነቲ ብሓይልታት ውሽጥን ግዳምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምፅናት ዓሌትን ጅምላዊ ቅትለትን ህዝቢ ትግራይ ብሕታውነት ከይስመዖ፡ “ተጋሩ ኣጆኹም በይንኹም ኣይኮንኩምን ዘለኹም” ክብል ገሊፁ።

ጆሴፍ ቦረል፡ ነቶም ኣብ ገበናት ኲናት ትግራይ ዝሳተፉ ኣካላት ድማ “ዓለም ትዕዘበኩም ኣላ እያ፣ ንእትፍፅምዎ ገበን ድማ ክትሕተቱ ኢኹም” ክብል ኣጠንቂቕዎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻልኦት ናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ኣኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝፈፀሞ ወራርን ዝፈፀሞም ገበናት ኲናትን ዓለም ብዓለማ ብሓደ ድምፂ እናወገዘቶ ትርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጽናት ተጸሚዱ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ጻዕዳ ሓሶት እዩ ክብል የላግጽ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሓሶትን መደናገሪ መግለጽታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ዝረኸበ ኣይመስልን።