ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ደቡብ፡ ንተመሃሮ ተሓጋገዝቲ ነርስ መንደፈራ፡ ኣብ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ንቕሓትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ወዲቡ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣበራሽ ህብታይ፡ እወታውን ኣሉታውን ጽልዋ መዘና፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ለውጥታት ኣብ ዕድመ ግርዝውና፡ ተራ ቴክኖሎጂ ኣብ መዓልታዊ ህይወት መንእሰያትን ጽልዋኡን፡ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት መብርሂ ሂባ።

ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ደረጃ ንቕሓቶም ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ኩነታት ክብርኽ ከምዝግባእ ዘዘኻኸረት ወይዘሮ ኣበራሽ፡ ብኣካዳሚን ሞያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሑ ጻዕሪታቶም ክብ ከብሉ ምዒዳ።

ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንግስትን ማሕበርን ንዘርሓውዎ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒመን፡ መሰላተንን ግቡኣተንን ኣለልየን ንሕብረተ-ሰባዊ ለውጢ ክሰርሓ ትጽቢት ከምዝግበር ብምጥቃስ፡ ብግዝያዊ ጸገማትን ንእስነትን ከይተዓናቐፋ፡ ኣብ ትምህርተን ብሉጻት ክኾና ተላብያ።

ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ፡ ወይዘሮ ርግበ ወልደማርያም እውን፡ ከም ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ መጠን፡ ብድስፕሊንን ኣበርክቶን ንነኣሽቱ ተመሃሮ ኣርኣያ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

Categories