ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ፡ ብሞያ ምርባሕ ንህቢን መፍረ መዓርን፡ ከምኡ’ውን ስርሓት ላኻን ዕንቊን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝሰልጠኑ 47 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 51 መንእሰያት፡ ብ13 ሕዳር ተመሪቖም።

እቲ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣካል ናይቲ ሞያዊ ክእለትን ብቕዓትን መንእሰያት ንምዅስኳስ ዝሰላሰል መደባት ምዃኑ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተገሊጹ።

ሓላፊት ክፍሊ ፕሮጀክትታት ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ሻምላ ገብረኪዳን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ማሕበር ምስ ምምሕዳራት ተወሃሂዱ፡ ንጽጉማት፡ ኣለይቲ ስድራን ስንኩላንን መንእሰያት ብነጻ ንምስልጣን ብዘውጸኦ መደብ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 101 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 128 መንእሰያት፡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘተባብዕ ዕብየት የመዝግቡ ከምዘለዉ ኣብሪሃ።

ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንካልኦት መንእሰያት ናይ ምስልጣን መደብ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ ኣቶ መሓመድ ሓምድ ዓሽከራይ ብግደኡ፡ ንመንእሰያት ንምምልማልን ሞያ ንምዕጣቕን ኣብ ዝግበር ጻዕርታት፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ ዝከኣሎ ከበርክት ድሉው ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን 56 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 96 መንእሰያት፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝወሰደ ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝሰልጠኑ ይዝከር።

Categories